Fana: At a Speed of Life!

ትማሊ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ኣብዘይተዛዘመሎም ከባቢታት ሎሚ መዓልቲ ድምፂ ይወሃብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ኣብዘይተዛዘመሎም ከባቢታት ሎሚ መዓልቲ ድምፂ ይወሃብ ከምዘሎ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ክልል ሲዳማ ኣብ ኩሎም ክልላት ምርጫ ካብ ንጎሆ ሰዓት 5 ጀሚሩ ከይዲ ምሃብ ድምፂ ዝቐፀለ እንትኸውነ፥ ሎሚ መዓልቲ ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዘለዉ ውሱናት ክልላት መርጫ ተቛሪፁ ዝነበረ ከይዲ ኣወሃህባ ደምፂ ሎሚ መዓልቲ ካብ ሰዓት 8 ጀሚሩ ዝቐፀለ እንትኸውን ሎሚ መዓልቲ ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ብተመሳሳሊ ኣብ ክልተ ክልልት ምርጫ ዘሎ ከይዲ ኣወሃህባ ድምፂ ደው ዝበለ እንትኸውን፥ እቶም ናውቲታት ምርጫ ብሙሉኦም ተዓሺጎም ነክፀንሑ እቲ ቦርድ አተሓሳሲቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.