Fana: At a Speed of Life!

ትራምፕ ሚስጥራዊ ሰነዳት ኣሜሪካ ብግቡእ ብዘይመሓዝ ዝብል ክሲ ቀሪቡሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ፕረዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኒዩክለራውን ወተሃደራውን ሚስጥራት ኣሜሪካ ሓዊሱ ኣማኢት ሚስጥራዊ ሰነዳት ብዘይግቡእ ብምሓዝ ተኸሲሶም።

በዚ ድማ 37 ገበናዊ ክስታት ዝሓዘ መዝገብ ገበናዊ ክሲ ቀሪቡዎም ኣሎ።

እቶም ሚስጥራዊ ሰነዳት፥ ኣብ ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ገዝኦም፣ ኣብ ሻወርን ኣብ ናይ ተልሂት ክፍልን ከም ዘቐመጥዎምን ንመርመርቲ ከም ዝሓሰውዎም ተገሊፁ።

ኣብ ኣተሓሕዛ እቶም ሰነዳት ንዝግበር ምርመራ ከተዓናቕፉ ከም ዝፈተኑ እውን እቲ ገበናዊ ክሲ ይሕብር።

እቶም ኣብ ፕረዚዳንታዊ መረፃ 2024 ዝወዳደሩ ትራምፕ ግና፥ ዝኾነ ዓይነት ጌጋ ከም ዘይፈፀሙ ብምግላፅ ንኩሎም ክስታት ክሒዶም።

ኣብ ልዕሊ ውልቀ ሓጋዚ እቶም ፕረዚዳንት ነበር ዝነበረ ዋልት ናውታ እውን ክሲ ከምዝተመስረተሉ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እቲ ናይ ዋይት ሃውስ ወተሃደራዊ ኣገልጋሊ ዝነበረ ዋልት ናውታ፥ ሰነዳት ዋይት ሃውስ ካብ ኤፍቢኣይ ንምሕባእ ብምግዓዝ ተኸሲሱ ከምዘሎ ኢዩ ዝግለፅ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.