Fana: At a Speed of Life!

ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ኣብ ስሩሑ ፀገም ከመዝጋጠሞ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ኣብ መስመር ባቡር ብዝፍጠሩ ፀገማት ምትእጉጓል ከመዝጋጠሞ ኣፍሊጡ።

ዓውዲ ትራንስፖርት ኣታዊን ወፃኢን ኣብ ምቅልጣፍ ዓንዲ ሑቐ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ኣብ ጉዳይ ድሕንነቱ ዘተኮረ መድረኽ ዘተ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ከተማ ቢሾፍቲ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝምልከቶም ኣካላትን ኣብ ከባቢ መስመር ባቡር ዝርከቡ ሓለፍቲ ወረዳታታትን ዞባታትን ተሳቲፎም።

ዳይሬክተር ትራንስፖርት ባቡር ኢትዮ-ጂቡቲ ኢንጅነር ጥላሁን ሰርካ፥ ሕብረተሰብ ኣብቲ ኣገልግሎት ዝፍጠሩ ፀገማት ከይፍጠሩ ካብ መስመር ሃዲድ ክርሕቑን እንስሳት እውን ክሕልዉን ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ትራንስፖርት በባቡር ልዑል ስርቂ፣ ፀገም ፀፅታን ሓደጋን እናጋጠሙዎ ከምዝነበሩ ኣብሪሆም።

ብሰፊሑ እናተርኣየ ዝነበረ ፀገም ብብዙሓ ከባቢታት ምምሕያሽ እንርአየ ይኹን እምበር ኣብ ሞንጎ መስመራት መተሓላለፊ ባቡር ዝርከቡ ኣዳማ፣ ቢሾፍቱን ፊጦን ሕዚ እውን ፀገም ከምዘሎ ገሊፆም።

ኣብ ሓደ ጉዕዞ ጥራሕ ልዕሊ 2 ሺሕ 100 ቶን ኣቕሑት ብምጉዕዓዝ ትራንስፖርት ኣታዊን ወፃኢን ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ተባሂሉ ዝእመነሉ እቲ መስመር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘጋጥሙ ዝተፈላለዩ ፀገማት ምኽንያት ምትእጉጓል እናጋጠሙዎ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

እቲ ፀገም ንምውጋድ ምትሕብባር ኣካላት ፀፅታን ሕብረተሰብን እቲ ከባቢ ወሳኒ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብይስማው ኣደራው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.