Fana: At a Speed of Life!

ትውልደ ኢትዮጵያዊ ኦባላ ንፕረዚደንት ባይደን፤ ግብረ ራዕዲ ህውሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዘልዐሎ ጎንፂ ብዙሓት ዜጋታት ንዝኸፍኣ ፀገም ምቅላዑ ሓቢሩ፡፡

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝተወለደን ኣብ ኣሜሪካ ሚኔሶታ ኦስቲን ኣባል ቤት ምኽሪ ዝኾነን ኦባላ፤ ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ኣብ ኣኼባ ጉዳይ መሰረተ ልምዓት ዘድሃበ ዘተ ገይሮም ምስ ወፁ ብኣካል ረኺቡ ኣዘራሪብዎም ፡፡

ኣብዚ እዋን ህውሓት ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ጎንፂ ምኽንያት ኢትዮጵያዊያን ንዘኸፍአ ፀገም ከምዝተቃልዑ ገሊፅሎም፡፡

ምስ ባይደን ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት፤ ኣብ ዝተወለደላ ጋምቤላ ቅድሚ ሐዚ ግብረ ራዕዲ ህውሓት ዝተጠንሰሶ ጭፍጨፋ ዘረኢ ምጥፋእ  ምትራፉ ኣብ ናይ ባዕሉ ገፅ ማሕበራዊ ምትእስሳር ከምዝገለፀሎም ኣፍሊጡ፡፡

ካብዚ ዝዘለለ ህውሓት ዝመርሖ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኣኝዋኻትን መላእ ኢትዮጵያውያን ዘብፅሖ ስቓይ ምርዳኡ ገልፁ፡፡

ኣብቲ እዋን እቶም ፕረዚዳንት ዝተሰምዖም ሓዘን ከምዝገለፅሉ ኣብቲ ፅሑፍ ኣቐሚጡ፡፡

ብተወሳኺ ብምኽንያት ሽርሒ ህውሓት  ክሳብ ሐዚ መላእ ኢትዮጵያውያን ይበፅሖም ዘሎ ግፍዒ ኣብ ዘድሃበን ኣሜሪካ ነዚ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ክትድግፍ ከምዘየብላ ምሕባሩ ገሊፁ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.