Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ ወረዳ ዳሪሙ ዞባ ኢሉ ኣባቦራ ንኦነግ ሸኔ ተቓዊሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኢሉ ኣባቦራ ወረዳ ዳሪሙ ዝነብሩ ነበርቲ ተግባር ኦነግ ሸኔ ብሰልፊ ተቓዊሞም።

እቶም ነበርቲ ኣብ ዘካየዱዎ ሰልፊ ተቓውሞ፥ ኦነግ ሸኔ ሰላም ነበርቲ እታ ወረዳ እናኸልአ ምፅንሑ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቆላማ ከባቢታት እታ ወረዳ ስራሕቲ ልምዓት ከይሳለጡ ዕንቅፋት ከምዝኾኖም እውን ገሊፆም፡፡

እቶም ሰልፈኛታት ተግባር ግብረ ራዕዲ እቲ ጉጅለ ብምኹናን ሰላም ድሕንነትን ከባቢኦም ንምሕላው ከምዘትልዓሉ ገሊፆም፡፡

ኣባላት እቲ ጉጅለ ዝነበሩን ናብ ህዝቦም ዝተፀምበሩን መናእሰይ ተግባር ኦነግ ሸኔ ብምኹናን ይቕሬታ ሓቲቶም፡፡

ኣመሓዳሪ ዞባ ኢሉ ኣባቦራ ኣይተ ታሪኩ ነጋሽ፥ ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን ሰላሙ ንኽሕሉ ፀዊዖም፡፡

ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣይተ ደረጀ ኣያና ብግደኦም፥ እቲ ጉጅለ ስራሕቲ ልምዓት ብምትዕንቓፍ ጥራሕ ዘይኮነስ መሓውር መንግስቲ ንህዝቢ ከየገልግል ዕንቅፋት ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ብተግባር ግብረ ራዕዲ እቲ ጉጅለ፥ ልዕሊ ብር 3 ሚሊየን ዝኸውን ንብረት ከምዝዓነወ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.