Fana: At a Speed of Life!

ናብ ጋዛ ብባሕሪ ፈላማይ ፈተነ ምጉዕዓዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተሳለጠ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ጋዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ዝተበገሰት ፈለማይቲ መርከብ፥ ዝፅዓነቶ ረድኤት ኣብ ገምገም ባሕሪ ከምዘራገፈት ተሓቢሩ።

እታ ኦፐን ኣርምስ ዝዓይነታ መርከብ፥ ትማሊ ሰሉስ ካብ ቆጵሮስ ተበጊሳ ናብታ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍደገ ጥሜት ከምዘላ ዝተገለፀት ጋዛ 200 ቶን ኣድላይ መግቢ ሒዛ ተበጊሳ።

እቲ ተግባር ብኣየርን መሬትን ዝግበር ምብፃሕ ረድኤት ኣፀጋሚ ምዃኑ ምስተረጋገፀ፥ ብባሕሪ ዝግበር ምብፃሕ ውፅኢታዊ ድዩ ኣይኮነን ንምፍላጥ ፈተነ ምጅማሩ ዘመልክት እዩ ተባሂሉ።

ነቲ መግቢ ዘቕረበ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ዎርልድ ሴንትራል ኪችን ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብምትሕብባር ነቲ ተልእኾ ከምዝፈፀመ ተገሊፁ።

ዓይነት ረድኤት ድማ፥ ሩዝ፣ ሓርጭ፣ ቆርቆሮ ኣሕምልትን ቆርቆሮ ፕሮቲንን ከምዝኾነ ምሕባሩ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.