Fana: At a Speed of Life!

ናብ 3 ቢሊየን ብር ብዝፅጋዕ ወፃኢ 250 ኬላታት ጥዕና ናብ ካልኣይ ትውልዲ አዕቢና – ርእሰ ምምሕዳር ሽመልስ ኣብዲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ 3 ቢሊየን ብር ብዝፅጋዕ ወፃኢ 250 ኬላታት ጥዕና ናብ ካልኣይ ትውልዲ አዕቢና ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም፡፡

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም÷ ኣብ ቀረብን ፅሬትን ትካላት ጥዕና  እናተርሐ ብዘሎ  ሰፊሕ ስራሕ ካብ እዋን ናብ እዋን ፅቡቕ ምምሕያሽ እናተርአየ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ቀረብ መድሓኒትን መሳርሒታት ሕክምናን፣ ምምሐዳር ሓይሊ ሰብ፣ ደረጃ ትካላት ጥዕና ምዕባይን ዘለዉ ብምሕዳስን ለውጢ ከምዝተረኸበ እውን ኣልዒሎም።

ንኣብነት ካብ ዘልዐሉዎም ድማ “ኢማጂንግ ሴንተር” ብዝተባህለ ኢኒሼቲቭ 11 ክላስተር ስራሕ ንዝተወደቡ ሆስፒታላት ከም ሲቲ ስካን ዝበሉ ዓበይቲ፣ ክባራትን ወሰንቲን መሳርሒታት ሕክምና ምምላእ ከምዝተኸኣለ ገሊፆም፡፡

ናብ 3 ቢሊየን ብር ብዝፅጋዕ ወፃኢ 250 ኬላታት ጥዕና ናብ ካልኣይ ትውልዲ አዕቢና፤ ካብዚ ብተወሳኺ ዘየቋርፅ ቀረብ መድሓኒት ንምርግጋፅ ብዝተትሓዘ ኣንፈት ሞዴል ፋርማሲታት ማሕበረሰብ 457 ምብፃሕ ክኢልና” ኢሎም፡፡

ቁፅሪ ኣባላት መድሕን ጥዕና ሕብተሰብ ናብ 27 ነጥቢ 5 ሚሊየን ከምዝዓበየ እውን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.