Fana: At a Speed of Life!

 “ናይ ምፅኣት እዋን ከጋጥም ኢዩ፤ ሞትን ምምዝባልን ክህሊ ኢዩ” ብዝብል ስግኣት ብስደት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝተብሃሉ ኡጋንዳዊያን ተረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“ናይ ምፅኣት እዋን ከጋጥም ኢዩ፤ ሞትን ምምዝባልን ክህሊ ኢዩ” ብዝብል ስግኣት ብስደት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ዝተብሃሉ ኡጋንዳዊያን ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር መለስ ኣለም፥ እቶም ኡጋንዳዊያን ካብ መረበቶም ተሰዲቶም ኣብ ክልል ደቡብ ከባቢ ኛንጋቶም ከምዝተረኸቡ ተዛሪቦም።

ፖሊስ ኡጋንዳ ኣብ ቀረባ እዋን “ናይ ምፅኣት እዋን ከጋጥም ኢዩ፤ ሞትን ምምዝባልን ክህሊ ኢዩ” ብዝብል ስግኣት ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ኡጋንዳዊያን ናብ ኢትዮጵያ ምስዳቶም ምግላፁ ይዝከር።

እቶም ውልቀ ሰባት፥  መራሕቲ እምነት ፍፃመ ዓለም ዝጅምር ካብዚ ከባቢ ኢዩ በምባል መዝራቦም ስዒቡ ናብ ኢትዮጵያ ምስዳቶም ኢዩ እቲ ፖሊስ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.