Fana: At a Speed of Life!

ንሰላምን ልምዓትን እንበር ንኦነግ ሽኔ ቦታ ኣይብልናን-ህዝቢ ከተማ ደምቢ ዶሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ነበርቲ፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲን ኣካላት ፀፅታን ዞባ ቄለም ወለጋ ከተማ ደምቢ ዶሎ ወፍሪ ምእላሽ ኣባላት ኦነግ ሽኔ ኣካይዶም።

እቲ ዳህሳስ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታ ዝተኻየደ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኦነግ ሸኔ ኣብቲ ከባቢ እናፈጠሮ ዝፀንሐ ፀገም ፀፅታ ካብ መሰረቱ ንምፍታሕ ተሳትፎ ሕብረተሰብ ወሳኒ ከምዝኾነ ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ሙላቱ ለሊሳ ገሊፆም።

ነበርቲ ምስ መምግስቲ ብምትሕብባር ነቲ ጉጅለ ኣብ ምውጋድ ብፅሒቶም ብምውፃእ ፀፅታ እታ ከተማ ምሕላው ከምዝግበኦም እውን ኣረዲኦም።

ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ገመቹ ጉርሜሳ ብግደኦም፥ እቲ ህዝቢ ሸፋቱ ኦነግ ሸኔ ብምሓዝ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ኣብ ዝግበር ስራሕ ተሓባበሪ ምዃኑ ምቕፃል ይግበኦ ኢሎም።

እቶም ሓይሊታት ጥፍኣት ልክዕ ከም ጁንታ ህወሓት ምንም ቦታ ንከይህልዎም ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ተዛሪቦም።

መንግስቲ ሕጊ ንምኽባር ኣብ ዝሰርሖ ስራሕ እቲ ህዝቢ ደገፉ ንክቕፅል ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.