Fana: At a Speed of Life!

ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ተኸሊኦም ዝፀንሑ ዓውዲታት ንግዲ ኢንቨስትመንት ክፍቲ ክኾኑ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ተኸሊኦም ዝፀንሑ ስራሕቲ ንግዲ ኣታዊን ሰደድ ወፃኢን፣ ጅምላን ችርቻሮን ክፍቲ ከምዝኾኑ ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እቶም ዓውዲታት ንግዲ ንብዙሕ ዓማውቲ ተኸልኪሎም ከምዝፀንሑ ሓቢሩ።

ቀንዲ ምኽኒያቱ ድማ፥ ሰብ ሃፍቲ ውሽጢ ዓዲ ካብ ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ዘጋጥም ፅዕንቶ ውድድር ንክድሕኑ ብምግባር ካፒታል ንከፍርዩ ዕድል ንምሃብን ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሚ ዝተደረኸ ዘላቒ ኢኮኖሚ ናይ ምህናፅ ዕላማ ብምሓዝ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ሃና ኣርዓያስላሴ፥ ተረባሕነት ሃገርን ህዝብን ንምርግጋፅ እቶምክ ተኸሊኦም ዝነበሩ ዓውዲታት ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ከፍቲ ምግባር ኣድላዪ ኮይኑ ከምዝተረኸበ ተዛሪበን።

ብመሰረት እዚ ለውጢ ፖሊሲ ብምግባር ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ምስታፍ ዘኽእል መምርሒ ከምዝፀደቐ ገሊፀን።

እቶም ሰብ ሃፍቲ ዘድሊ ቅድመ ኩነት እንተማሊኦም ኣብ ጥረ ቡን፣ እኽሊታት ቅብኣት፣ ጫት፣ ጥራ ምረ፣ ቆርበት፣ ደርሆን ኣንጋረን ምልኣኽ ኣብ ዝብሉ ንግዲታት ሰደድ ወፃኢ ምስታፍ ከምዝኽእሉ ሓቢረን።

ኣብ ኣታዊ ንግዲ እውን ካብ ዘበናዊ ዱኽዒን ነዳዲን ወፃእ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ንግዲ ኢንቨስትመንት ምውፋር ይኽእሉ ኢዮም ተባሂሉ።

ኣብ ጅምላ ንግዲ ድማ፥ ካብ ዘበናዊ ዱኽዒ ወፃእ ምስታፍ ዝኽእሉ እንትኾኑ፥ ኣብ ኩሎም ዓይነታት ንግዲ ችርቻሮ ንክሳታፉ እውን ክፍቀደሎም ኢዩ።

ብሳሙኤል ወርቃየሁን ኣሸናፊ ሽብሩን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.