Fana: At a Speed of Life!

ንቀ/ሚ ኣቢይ ኣብ ዝተፀውዐ ሰልፊ ድጋፍ ቡንባ ብምድርባይ ህይወት ሰብ ብምጥፋእን ጉድኣት ኣካል ብምብፃሕን ገበነኛታት ዝተብሃሉ 5 ውልቀ ሰባት ካብ 5 ዓመት ክሳብ ዕድመ ይፍታሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)16 ሰነ 2010 ዓ.ም ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዝተፀውዐ ሰልፊ ድጋፍ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ቡንባ ብምድርባይ ህይወት ሰብ ብምጥፋእን ጉድኣት ኣካል ብምብፃሕን ገበነኛታት ዝተብሃሉ 5 ውልቀ ሰባት ካብ 5 ዓመት ክሳብ ዕድመ ይፍታሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም።

እቲ መቕፃዕቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዝወዓለ ቀዳማይ መጋባእያ ሕገ-መንግስቲን ጉዳያት ፀረ-ግብረ ራዕዲ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ሳልሳይ ተኸሳሲ ኣይተ ጥላሁን ጌታቸው ብዕድመ ይፍታሕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ዝተቐፅዑ እንትኾኑ፥ ዝተረፉ ድማ ካብ 5 ክሳብ 23 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ንኽቕፀዑ እቲ ቤት ፍርዲ ወሲኑ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.