Fana: At a Speed of Life!

ንቐፃሊ ሃገራዊ ምርጫ ናይ ኩለን ክልላት ድኽመትን ጥንካረን ፀፅታን ድሕንነትን ከምዝተለለየ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ ዘበን ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መርጫ ፀገማት ፀፅታን ድሕንነትን ንከየጋጥሙ ካብብሐዚኡ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ።

ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ኣብ ትልሚ ምርጫ፣ ሃገራዊ ስግኣታት ድሕንነት ከምኡ ውን ኣንፈታት መፍትሒ ኣመልኪተን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ሎሚ መዓልቲ ተዛቲየን።

ድሕንነት ምርጫ ንምሕላው ብብርኪ ሃገር ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ቅድም እንትብል ኣብ ዘካየዶ ዘተ እተን ክልላት ኣብ ከከባቢአን ዘለዉ ፀገማት ፈሊየን ትልሚ ፀፅታ ንከውፅኣ ኣንፈት ተዋሂቡ ኢዩ።

ብመሰረት እዚ እተን ክልላት ዘውፅእኡ ዝርዝር ትልሚ ሎሚ መዓልቲ ብምግምጋም ኣንፈታት ተዋሂቡ ኣሎ።

ድሕንነት ምርጫ ዝፈታተኑ ፀገማት ብምፍላይ ምስ ፀፅታን ኣፈፃፅማ ሕጊን ብምትሕሓዝ ኣድላዪ ምድላው ኣብ ምግባር ዘተኮረ ዘተ፣ እቲ ምርጫ ሰለማዊ ምግባር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ልዝብ ተገይሩ።

ኣማኻሪ ሚኒስትር ብሄራዊ ድሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ገዱ አንዳርጋቸው እቲ ምርጫ ብዘይምንም ፀገም ፀፅታ ንኽካየድ ዘኽአል ትኹረት ተዋሂቡ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

እያንዳንዱ ክልል ከፀጥታና ደህንነት አኳያ በተገቢው ትኩረት ችግሮችን ለይቶ መስራት አለበትም ነው ያሉት።

ብመሰረት እዚ ሕድ ሕድ ክልል ድኽመትን ጥንካረን ፀፅታን ድሕንነትን ብምፍላይ ክሰርሓ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.