Fana: At a Speed of Life!

ንቐፃሊ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘገልግሉ ናውቲታት ምርጫ ኣብ ዱባይ ብዕሊ ምሕታም ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 08 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ንቐፃሊ ሃገራዊ ምርጫ ዘገልግሉ ናውቲታት ምርጫ ኣብ ዱባይ ብዕሊ ምሕታም ከምዝተጀመረ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ሕትመት እቲ ናውቲ ብዕሊ ዘፈለማ ኣካቢት ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚዴቅሳ፥ እቶም ናውቲ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ምሕታም ሃገራዊ ምርጫ ዕዉት ብዝኾነ መገዲ ንምፍፃም ናይ ዝግበር ፃዕሪ ሓደ ኣካል ኢዩ ኢለን።

ሕትመት እቶም ናውቲ ብቋንቋ ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞ፣ ሶማሊኛን ዓፋርን ይዳሎ ከምዘሎ እውን ተዛሪበን።

እቲ ሕትመት ኣብ ዶባይ ዝርከብ “ኣልፋራጊ” ዝበሃል ቤት ሕትመት እንትኸውን፥ ኣብ ዓውዲ ሕትመት ን40 ዓመታት ዘኻዕበቶ ልምዲ ከምዘለዎ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ናውቲ ምርጫ ሃገራት ኬንያ፣ ኡጋንዳ፣ ማላዊን ታንዛኒያን ኣብቲ ቤት ሕትመት ከምዝተዳለዉ ተገሊፁ።

ፍልፍል፦ኢቲቪ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.