Fana: At a Speed of Life!

“ንቑሕ ተሳትፎ ሙሁራትን ዜጋታትን ኣብ ምግሃድ ግድብ ህዳሰ” ብዝብል መሪሕ ቃል መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣርባ ምንጭ ምስ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ መተሓባበሪ ተሳትፎ ህዝቢ ግድብ ህዳሰ ብምትሕብባር “ንቑሕ ተሳትፎ ሙሁራትን ዜጋታትን ኣብ ምግሃድ ግድብ ህዳሰ” ብዝብል መሪሕ ቃል መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ሚኒስቴር ማይ መስኖን ኢነርጂን ዶከተር ኢንጅነር ሰለሺ በቀለ፥ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ሩባ ኣባይ ሙሉእ ብሙሉእ በይነይ ክጥቀም ኢላ ኣይትፈልጥን፤ ይኹን እምበር ብግልባጡ ስምምዓት ባዕዳዊ ወረርቲ ብምልዓል ሩባ ኣባይ ንበይኖም ክጥቀሙ ዝደልዩ ሃገራት ከምዘለዉ ገሊፆም፡፡

ሉኣላዊነትን ተረባሕነትን ኢትዮጵያ ዝለክእ ወፍሪ ምንቅስቓስ፥ ሙሁራንን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ብሓድነት ተቓዊሞም እቲ ግድብ ኣብ ፍፃመ ንኽበፅሕ ክሰርሑ ከምዝግበኦም እቶም ሚኒሰስትር ኣገንዚቦም።

ኢትዮጵያ እናሰርሐቶ ትርከብን ንኽዛዘም ዝተቓረበን ግድብ ህዳሰ ንተፋሰስቲ ሃገራት ዝጎድእ ዘይኮነስ ዝተቅም ኢዩ ዝበሉ ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ፥ ምግሃድ እቲ ግድብ ዘይተርፍ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሙሁራት ሉኣላዊነትን ተባሕነትን ኢትዮጵያ ዝጎድኡ ተግባራት ክቃወሙ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ግድብ ህዳሰ ዝምልከቱ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ቀሪቦም ልዝብ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.