Fana: At a Speed of Life!

ንኢትዮጵያ ንምትርማስ ዝግበር ዛዕባ ብፃዕሪ ደቃ ክፍሽል ኢዩ -ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ንኢትዮጵያ ንምትርማስ ዝግበር ፈተነ ሓይሊታት ውሽጢ ዓዲን ወፃን ብፃዕሪ ደቃ ክፍሽል ኢዩ ክብል ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

መንግስቲ እቲ ክልል ኣብ መክለፂኡ፥ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ህላወ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ብዝፈፀሞ ዘስካሕኽሕን ኣረመኔያዊን ክሕደት ምኽንያት ስጉምቲ ከምዝተወሰደሉ ገሊፁ።

እቲ ጉጅለ ኣብ ጉድጓድ ኮይኑ ኩሉ ግዘ ዝፍለጠሉ ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ህዝቢ ብምስሕሓት ካብኡ ሓሊፉ ድማ ንህዝቢ ዓለም ሓሶት እናነዝሐ ምፅንሑን ሕዚ እውን ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀለን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

መንግስቲ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ይወስን እምበር ፀረ ህዝቢ ዝኾነ ጉጅለ ህወሓት ህዝቢ ናይ ፅምዋ እዋን ከይረክብ እቲ ኣዋጅ ብምጥሓስ ኲናት ከምዝኸፈተ ኣገንዚቡ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ፀወታ ዘይፀገቡ ሃፃናት ናብ ኲናት እናዋፈረ ከምዝርከብ መንግስቲ ክልል ዓፋር ኣብ ዘውፀኦ ኣገንዚቡ።

እቲ ጉጅለ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ሽርሒ ፖለቲክኡ ብምጥንኻር ካብ ዝወደቐሉ ሓመድ ልሒሱ ኢትዮጵያ ናይ ምፍራስ ሕልሙ ንምዕዋት ቃልሲ ንምግባር እናሰርሐ ይርከብ ኢሉ።

እቲ እኩይ ተግባር ካብ ኣረመኔያዊ ተግባሩ ንኽቑጠብን እቲ ሕማም ከይዛመትን ስርዓት ንምትሓዝ ናይ ሓው ህዝቢ ትግራይ ሓዊሱ ናይ ኩሎም ህዝቢታት ኢትዮጵያ ሓላፍነት ከምዝኾ ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብ ጉዳይ ሉኣላውነት ሃገር ዘይደራደር ህዝቢ ኢትዮጵያ፥ ከምቲ ልሙድ ካብ ኣቦ ሓጎታቱ ዝወረሶ ሓደራ ብግቡእ ክዋፃእ ከምዝግባእ ፀዊዑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.