Fana: At a Speed of Life!

ንከበድቲ ተሽከርከርቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ፍቓድ መንቀሳቐሲ ከምዝወሃብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣአዲስ ኣበባ ንከበድቲ ተሽከርከርቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ፍቓድ መንቀሳቐሲ ከምዝወሃብ ኤጀንሲ ትራፊክ ማኔጅመንት እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኸልከሉ ሰዓታት ንዝንቀሳቐሱ ከበድቲ ተሽከርከርቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ፍቓድ ከምዝወሃብ ተወካሊ ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መኳንንት ምናሴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ካብ 6 ጳጉሜን 2015 ክሳብ 15 መስከረም 2016 ዓ.ም ግልጋሎት ምሃብ ኣቋሪፁ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ እቶም ሓላፊ÷ እቲ ውሳነ ምምሕያሻት ንምግባር ተሓሲቡ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

በዝሒ ፍቓድ መንቀሳቀሲ ዝተውሃቦም ተሽከርከርቲ ፍሰት ትራፊክ ዘተኣጓጉል እንተኾይኑ ፍቓድ ዝተሓተተሎም ተሸከርከርቲ ቁፅሪ እናተርኣየ ከምዝንከ እውን ገሊም፡፡

ብሃይማኖት ወንድራድ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.