Fana: At a Speed of Life!

ንዘበነ ምህርቲ 2014/15 ዓ.ም ልዕሊ 755 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኣተወ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2014/15 ዓ.ም ናብ ሃገር ካብ ዝኣቱ 1 ነጥቢ 28 ሚሊየን ሜትሪክ ቶ ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበርያ) እቲ ልዕሊ 880 ሜትሪክ ቶን ኣብ ወደብ ምብፅሑ ትካል ኣገልግሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ካብ ሞንጎ እዚ ድማ ልዕሊ 755 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኣተወ ኣፍሊጡ፡፡

እቲ በዳበርያ ብባሕሪ ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ሚልክ ዌይን ዌስተርን በልክን ዝተብሃሉ ዣለም ለኸ ትካላት መርከብ እናሳለጡዎ ከምዝኾ ተሓቢሩ፡፡

ነቲ ዘበነ ምህርቲ ዘድሊ መዳበርያ ንምጉዕዓዝ 23 ዓበይቲ መራኽብ ከምዝተመደባ ምክትል ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዋና ዘፈር ኣገልግሎት ሺፒንግ ኣይተ ወንደወሰን ካሳ ገሊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.