Fana: At a Speed of Life!

ንግስቲ ሙዚቃ ሮክ ኤንድ ሮል ቲና ተርነት ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈሊያ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ዋትስ ላቭ ጋት ቱ ዱ ዊዝ ኢት”፣ “ዘ ቤስት” ብዝብሉ ዘመን ተሳገርቲ ሙዚቃታት እትፍለጥ ንግስቲ ሙዚቃ ሮክ ኤንድ ሮል ቲና ተርነት ኣብ መበል 83 ዓመታ ዓሪፋ።

እታ ስነጥበባዊት ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ብሕማማት መንሽሮ፥ ስትሮክን ኵሊትን ሓዊሱ ብርክት ብዝበሉ ፀገማት ጥዕና ክትሳቐ ፀኒሓ እያ።

ቲና፥ ብ1960 ዓ.ም.ፈ እያ ኣብ መድረኽ ሙዚቃ ክትነግስ ጀሚራ።

ዘመን፣ ትውልዲ፣ ቋንቋ ዘይደረቶም ፕራውድ ሜሪ፣ ሪቨር ዲፕ፣ ማውንቴን ሃይ ዝብሉ ስራሓታ ኣብ ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ናይ ባዕሎም ኣሰር ኣንቢሮም’ዮም።

ንግስቲ ሙዚቃ ሮክ ኤንድ ሮል ዝብል ሽም ዘትረፈት ቲና ተርነር፡ ኣዝዩ ብዝትንክፍ ድምፃን ፍሉይ ኣቀራርባ መድረኽን ሰማዕቲ ዘይርስዑዎም ስራሕቲ ሙዚቃ ኣፍሪያ እያ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.