Fana: At a Speed of Life!

ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝተረኸቦ ጃፓናዊ ውልቀ ሰብ ርክብ ምስ ዝነበሮም ሰባት ተራኺቡ ዝነበረን ትማሊ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሉን ጋዜጠኛ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ካፍቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኑ ተረጋጊፁ።

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ንፈለማ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ምስ ዝረተረኸቦ ጃፓናዊ ውልቀ ሰብ ርክብ ምስ ዝነበሮም ሰባት ተራኺቡ ዝነበረን ትማሊ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተገበረሉን ጋዜጠኛ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ካፍቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኑ ተረጋጊፁ።

እቲ ጋዜጠኛ ቫይረስ ኮሮና ምስዝተረኸበሉ ውልቀ ሰብ ቀጥታ ንኽክእ ዘይነበሮ እንትኸውን፥ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ምስዝተራኸቡ ሰባት ኢዩ ተራኺቡ።

እቶም ሰባት ቅድሚ 12 መዓልቲ ዝረኸቦም እንትኸውን፥ ጥዕና ናይቲ ጋዜጠኛ ዝተማልአ ከምዝነበረን ሰብ ሞያታት ሚኒስቴር ጥዕኛ ንጥንቃቐ ክብሉ ትማሊ ረኺቦም ምርመራ ከምዝገበሩሉን እውን ተገሊፁ።

ብመሰረት ዝተገበረሉ ምርመራ ድማ ካብቲ ቫይረስ ናፃ ምዃኑ ተረጋጊፁ ኣሎ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝወፅኡ ሓበሬታታት ዝተሰሓሓቱ ከምዝኾኑ ክንገልፅ ንፈቱ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.