Fana: At a Speed of Life!

ን6 ተመረቕቲ ‘ስታርትኣፕ’ ንሕድሕዶም መጀመሪ ስራሕ ዝኸውን ፍርቂ ሚሊየን ብር ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዑል ክእለት ውፅኢት ፈጠራ ንዘመዝገቡ ሽዱሽተ ተመረቕቲ ‘ስታርትኣፕ’ ንሕድሕዶም መጀመሪ ስራሕ ዝኸውን ፍርቂ ሚሊየን ብር ሓገዝ ከምዝተገበረ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ገሊፁ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ምስ ኢንተርናሽናል ኤጀንሲ ምትሕብባር ጃፓን (ጃይካ) ብምትሕብባር እናሳለጦ ዝነበረ ኢትዮጵያ “ፕሮጀክት ኤን ኣይ ኤን ጄ ኤ” ልዑል ክእለት ፈጠራ ንዘመዝገቡ ትካላት ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያ ስራሕ ንምጅማር መበገሲ ዝኸውን ሓገዝ ገንዝብ ብምግባር መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ቦሌ ሆቴል ሳፋዬር ኣመሪቑ፡፡

እቶም ተመረቕቲ “ገበታ ማፕ፣ ሸማች፣ ፋይበር፣ ዲጂታል ሄልዝይ፣ ታይዋንን ጉዞን” ዝተብሃሉ ‘ስታርትኣፕ’ ትካላት እንትኾኑ÷ ንዘመዝገቡዎ ዝለዓለ ዓወት ሓገዝ ገንዘብ፣ ኣፍልጦን ምስክር ወረቐትን ተዋሂቡዎም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.