Fana: At a Speed of Life!

ኢራንን ኣርጀንቲናን ናብ “ብሪክስ” ንምውሃድ ሕቶ ኣቕሪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢራንን ኣርጀንቲናን ናብ “ብሪክስ” ንምውሃድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሕቶ ከምዘቕረባ ተገሊፁ።

እቲ ሕቶ ኣብ ጉባኤ “ብሪክስ ፕላስ” ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ፕሬዚዳንት ኢራን ኢብራሂም ራኢሲን ፕሬዚዳንት ኣርጀንቲና ኣልቤርቶ ፈርናንዴዝ ኣብተ ጉባኤ ምስታፎም ይዝከር።

ፕሬዚዳንት ኣርጀንቲና ኣልቤርቶ ፈርናንዴዝ፥ ብሪክስ ብምዕራባውያን ዝምረሑ ትካላት ኢኮኖሚ ዝነሓናሕ ክኸውን ከምዝግባእ ኣብቲ ጉባኤ ረእይቶ ሂቦም።

ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢራን ሰኢድ ኻቲብዘዴህ፥ ኣባል ሃገራት ብሪክስ 30 ሚኢታዊ ኢኮኖሚ ዓለም ዝመርሓን 40 ሚኢታዊ ህዝቢ ዘለወንን ኢየን ኢሎም።

ስለዝኾነ እቲ ጉጅለ ፅዕንቶ ፈጣሪ ከምዝኾነ ተዛሪቦም ክብል ኣር ቲ ፀብፂቡ።

መስረትቲ ኣባል ሃገራት ብሪክስ፥ ብራዚል፣ ሩስያ፣ ህንዲ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪካን ምዃነን ይፍለጥ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.