Fana: At a Speed of Life!

ኢሬቻ ባህላዊ ክብሪታቱ ተሓሊዩ ናብ ወለዶ ንኽመሓላለፍ ኩሉ ብፅሒቱ ክዋፃእ ይግባእ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢሬቻ ንህንፀት ህብረ ብሄራዊ ሓድነድትን ምትሕብባርን ዓብዪ ግደ ዘለዎ ሓድጊ ስለዝኾነ÷ ባህላዊ ክብሪታቱ ተሓሊዩ ናብ ወለዶ ንኽመሓላለፍ ኩሉ ብፅሒቱ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፀዊዑ።

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ በዓል ኢሬቻ ኣመልኪቱ ንመላእ ኢትዮጵያውያን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ፡፡

እቲ ኣገልግሎት ኣብ መልእኽቱ÷ ኢሬቻ ህዝቢ ኦሮሞ ክረምቲ ሓሊፉ ቀውዒ እንትመፅእ፤ ኣብ እዋን ክረምቲ ተረሓሐዘቑ ዝፀንሐ ዘመድ ኣዝማድ እንትራኸብ ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን ንዘሰጋገሮ ኣምላኽ ምስጋና ዘቕርበሉ በዓል ከምዝኾን ንብዙሓት ኣሽሓት ዘበናት እናተተግበረ ዝፀንሐን ሃገራዊ ክብሪ ከምዝኾ ገሊፁ፡፡

“ኢሬቻ ፈጣሪ(ዋቃ) ንደቂ ሰባት ንዝገበሮ ሰናይ ተግባር ዝምስገነሉ በዓል ኢዩ ዝበለ እቲ መግለፂ÷ ‘ዝናብ ኣዝኒቡ ንዝሃቦ ማይ፣ ክቦቅል ንዝገበሮ ኣዝመራ፣ ካብ ፀልማት ክረምቲ ናብ ብሩህ ወቕቲ ስለዘሰጋገረካና ነመስግነካ’ እናተብሃለ ፈጣሪ ዝምስገነሉ በዓል ኢዩ” ኢሉ፡፡

ኢሬቻ ናይ ምስጋና በዓል ጥራሕ ዘይኮነስ በዓል ሓድነት፣ ሕውነት፣ ፍቕሪ ሰላምን ስዝኾነ÷ ባህላዊ ክብሪን ስነ-ስርዓትን ኣከባብራ በዓል ኢሬቻ ኣብ ኢትዮጵያ ሕውነታዊነት ንኽጥንክር፣ ምትሕብባር ንኽድንፍዕንዘላቒ ሰላም ንኽረጋገፅን ልዑል ግደ ከምዝጻወት እቲ መልእኽቲ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣመልኪቱ፡፡

እዚ ባህላዊን መግለፂ ፅባቐን ዝኾነ በዓል ኢሬቻ ካብ ሃገር ሓሊፉ ሃፍቲ ዓለም ስለዝኾነ÷ ፍልፍል ሃፍቲ ቱሪዝም ኮይኑ ንኸገልግል ስርዓቱ ብዝሓለወ መገዲ ክኽበር ከምዝግባእ ኣገንዚቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.