Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣልሸባብ ንምውጋድ ብሓባር ብምስርሐን ጥንኩር ምትሕብባር ክልቲኤን ሃገራት ብተግባር ዘረጋገፀ ምዃኑ መንግስቲ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ሶማሊያን ኣልሸባብ ንምውጋድ ብሓባር ብምስርሐን ጥንኩር ምትሕብባር ክልቲኤን ሃገራት ብተግባር ዘረጋገፀ ምዃኑ መንግስቲ ገሊፁ።

ኢትዮጵያን ሶማሊያን ሓባራዊ ፀላኢኦም ዝኾነ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ንምውጋድ ብሓባር ምስራሖም ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ጥንኩር ምትሕብባር ክልቲኤን ሃገራት ብተግባር ዘረጋገፀ ምዃኑ ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣድሂበን መግለፂ ሂበን።

አብ መግለፂአን፥ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ኣብ ክልል ሶማሌ ዝፈተኖ መጥቃዕቲ ንምምካትን ዕጥቋት እቲ ጉጅለ ዝሓዝዎም ቦታታት ናፃ ንምግባርን ዝተገብረ ወፍሪ ብዕውት ኩነታት ይሳለጥ ከምዘሎ ኣፍሊጠን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ውሱን ከባቢታት ዕጥቋት ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ይእረዩ ከምዘለዉ ሓቢረን።

ብዋናነት ብምትሕብባር ፉሉይ ሓይሊን ሚሊሻን ሶማሌ ብሕብረተሰብን ኢሉውን ብመዋቕር ፀጥታ ፌዴራል ክካየድ ዝፀንሐ ወፍሪ ምዃኑ ኣብሪሀን።

ብመሰረት እዚ ውን  ወታደራዊ  ዲፕሎማሲ ልዑል ውፅኢት ከምፅእ ምኽኣሉ ብምሕባር፥ ሓይሊ ፌዴራል ሶማሊያ ሃዲሞም ናብ ዝመፅእሉ ይምለሱ ዝነበሩ ኣባላት እቲ ጉጅለ ናብ ግዝኣቶም ንከይኣቱ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከምዝሰርሑ ገሊፀን።

እዚ ምስ ጎረቤት ሃገራት ዘሎ ስራሕቲ ወታደራዊ ዲፕሎማሲ ልዑል ውፅኢት ከመፅእ ምኽኣሉ ሓደ መርኣያ ምዃኑ ሓቢረን።

ንዝተረኸበ ዓወት ልዑል ግደ ምብርካቶም እውን ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.