Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስምምዕነት ሓገዝ 400 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ስምምዕነት ሓገዝ 400 ሚሊየን ዶላር ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ዳይሬክት ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ኦስማን ዲዮን ኢዮም ተፈራሪሞምዎ።

ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ 83 ከተማታት ንሴፍቲኔት ከተማን ፈጠራ ዕድል ስራሕ መናእሰይን ዝውዕል ሓገዝ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ከተማታት ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ነበርቲ ናብረኦም ንምምሕያሽ ዝውዕል እንትኸውን፥ 816 ሺሕ ሰባት ተረባሕቲ ክኾኑ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ባንኪ ዓለም ኣብ ዝሃለፈ 22 መስከረም 2013 ዓ.ም እቲ 22 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ከምዘፅደቖ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.