Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኖርዌይን ርክበን ብዝበለፀ ንምሕያል ከምዝሰርሓ ኣፍሊጠን

ኣዲስ ኣበባ፣ 03 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ርክብ ኢትዮጵያን ኖርዌይን ብዝበለፀ ንምሕያል ከምዝስራሕ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ማርቆስ ተክሌ ምስ ሚክትል ሚኒስትር ፍትሒ ኖርዌይ ክርስቶፈር ሲቨርሴን ተዛትዮም።

እብቲ እዋን ዘተ፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ምጥንኻር ኣብዝከኣለሉ ዛዕባ ኣደሂቦም ምዝታዮም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ኖርዌይን ዘሎ ዝፀንሐ ምሕዝነት ንምጥንኻር ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ተቐራሪቦም ንምስራሕ እውን ተስማዕሚዖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.