Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኣልጄሪያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ድልየት ከምዘለወን ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሓምለ ፡ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኣልጄሪያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ድልየት ከምዘለወን ገሊፀን።

ምክትል ቀዳመይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣልጀሪያ ራምታኔ ላማምራ ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ኢትዮጵያን ኣልጄሪያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ድልየት ከምዘለወን ምዝታዮም ኢፕድ ፀብፂቡ።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታትን ብዛዕባ ገድብ ህዳሰን ከምዝተዛተዩ ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣልጀሪያ ራምታኔ ላማምራ ምስ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ተዛቲዮም።

ካብ ፕሬዚዳንት ኣልጀሪያ ኣብዱል መጂድ ቲቦንን ዝተልኣኸ መልእኽቲ ንፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣረኪቦም።

ክልቲኦም መራሕቲ ብዋናነት ስትራቴጂካዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፣ ድሕንነትን ሰላምን ኣፍሪካን ካልኦት ዛዕባታትን ዘድሃበ ዘተ ኣካይዶም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.