Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን እስራኤልን ኣብ ዓውዲ ፋርማሲዩቲካልን ኣይሲቲን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉወን ጉዳያት ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፈፃሚ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣይተ ሳንዶካን ደበበ ምስ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያን ብሩንዲን ራፋኤል ሞራቭ ኢትዮጵያን እስራኤልን ኣብ ዓውዲ ፋርማሲዩቲካልን ኣይሲቲን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ኣይተ ሳንዶካን ኣብቲ ዘተ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዘፈር ኢንፎርሜሽን ኮሙዩኒኬሽን ቴክኖሎጂን ፋርማሲዩቲካልን ዓለም ለኸ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ምስሓብ ከምትርከብ ገሊፆም፡፡

በዚ ድማ እስራኤል ኣብቲ ዓውዲ ዘለዋ ልምዲ ውፅኢታዊ ክገብር ዝኽእል ስለዝኾነ፥ ሰብ ሃፍቲ እታ ሃገር ናብ ስራሕ ኣብ ምእታውን ዘጋጥሙ ፀገማት ብሓባር ብምፍታሕ ሓቢርካ ምስራሕ ከምዘድሊ ብምግላፅ፤ ሰብ ሃፍቲ እስራኤል መፂኦም መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ፀዊዖም፡፡

ኣብ እስራኤ ዝርከቡ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ምሰድ ፓርክ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ርክብ ብምፍጣር ልምዲ ንኽለዋወጡን ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ብምምህሃር ብሓባር ክቕፅል ኣብ ዝኽእለሉ ጉዳይ ኣብ ዝምልከት ኤምባሲ እስራኤል ብዕቱብ ንኽምልከቶ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓቲቶም፡፡

ኣምባሳደር ራፋኤል ሞራቭ ብግደኦም፥ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ሰብ ሃፍቲ ናብ ስራሕ ንምእታው ፃዕሪ እናገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ እዚ ተግባር ኣጠናኺርካ ክቕፅል ብምግባር ሰብ ሃፍቲ እስራኤል ናብ ኢትዮጵያ መፆኦም ንኸልምዑ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም፡፡

ሰብ ሃፍቲ እስራኤል ኣብ ዘፈራት ኣይሲቲን ፋርማሲዩቲካልን ብስፍሓት ክሰርሑ ከምዝደልዩ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ሶላር ኢነርጂን ጂኦተርማል ኢነርጂን ሓቢርካ ምስራሕ ከምዝከኣል ምግላፆም ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.