Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኮሚሽን ስደተኛታት ውሕመን ብሓባር ኣብ ዝስርሑዎም ጉዳያት ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕሕቡራት መንግስታትን ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝርከቡ ስደተኛታትን ተመዛበልቲን ብዝምልከት ብሓባር ተስማዕሚዖም።

ምክትል ቀዳማ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕሕቡራት መንግስታት ፊሊፖ ግራንዲ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኮሚሽነር ፊሊፖ ግራንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ዑደት እዋናዊን ጠቓሚን ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ኮሚሽን ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እውን ሓቲቶም፡፡

ፊሊፖ ግራንዲ ብግደኦም÷ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ኢትዮጵያን ብምንኣድ ሓገዙ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ቃል ኣቲዮም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ዝካየድ ዓለም ለኸ ፎረም ስደተኛታት ንኽሳተፉ ዕድመ ከምዝቐረበሎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.