Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ብኢኮኖሚ ንምትእስሳር ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ብኢኮኖሚ ንምትእስሳር ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።

ሚኒስትር ገንዘብ ፌዴሪኢ ኣሕመድ ሽዴ ብተተካኢ ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን  ታባን ዴንግ ጋይ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም፥ ክልቲአን ሃገራት ብመሰረት ልምዓት፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ማይ፣ ትራንስፖርትን ካልኦት ዓውዲታት ኢኮኖሚን ብምትሕብባር ናይ ሓባር ተረባሕነት ክብ ንምባል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ንምስራሕ መርድዳእ ተገይሩ።

ኣይተ ኣሕመድ፥ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዝፀንሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ንደቡብ ሱዳን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቕራብ፣ መሰረተ ልምዓት መገዲ ብምዝርጋሕን ካልኦት ዓውዲታት ኢኮኖሚን ንምትግባር ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ኣዲስ ኣበባ መስ ጁባ ዘራኽብ መገዲ ደረጅኡ ንምዕባይን ንናይ ሓባር ሓይሊ ኤሌክትሪክን ፕሮጀክት ቴሌን ብሓባር ንመሻርኽቲ ልምዓት ደገፍ ፋይናንስ ብሓባር ከምዝሓታ ተገሊፁ።

ታባን ዴንግ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንደቡብ ሱዳናዊያን ካልአይቲ ሃገሮም ምዃና ኣብሪሆም።

ንናይ ሓባር ተረባሕነት ክልቲኦም ህዝብታት ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ወሳኒ ኢዩ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.