Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ መሰረተ ልምዓት መገዲ፣ ባቡርን ኣብ ኣገልግሎት ወደብን ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለወን ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ መሰረተ ልምዓት መገዲ፣ ባቡርን ኣብ ኣገልግሎት ወደብን ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ድሌት ከምዘለወን ገሊፀን።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጂቡቲ ብርሃኑ ፀጋየ ምስ ኣቦ መንበር በዓል መዚ ናፃ ዞባን ወደባትን ኣቡበክር ኦማር ሃዲ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ዲክልን ዳጎሩን ዘሎ ከይዲ ህንፀት 80 ኪሎ መትሮ መገዲ ብምንኣድ፥ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተሓቀነሉ እዋን ንኽዛዘም ብቐረባ ምክትታል ከምዘድሊ ተመያይጦም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ከም ነዳዲ ዝበሉ ኣድለይቲን ሸቐጣት ብቕልጡፍ ንኽበፅሕ ዝግበር ፃዕሪ ክቀላጠፍ ከምዝግባእ እውን ተዛራሪቦም፡፡

ካልኦት ሸቐጣት ኣብ ዝተደለየሉ እዋን ንኽበፅሕ ብወገን ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ምስራሕ ዝከኣለሉ ኩነታት ምምዕርራይ ይግባእ ተባሂሉ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.