Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተወዳደርቲ ትፅቢት ዝግበሩሉ ውድድር ፍፃመ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተወዳደርቲ ትፅቢት ዝግበሩሉ ውድድር ፍፃመ 10 ሺሕ ሜትሮ ምሸት ሰዓት 1፡25 ክካየድ ኢዩ።

ኣብቲ ውድድር÷ ኣትሌታት በሪሁ ኣረጋዊ፣ ሰለሞን ባረጋን ይስማው ድሉን ትፅቢት ይግበረሎም፡፡

ብካሊእ መዳይ ምሸት ሰዓት 12፡05 ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ÷ ኣትሌት ሂሩት መሸሻ፣ ድርቤ ወልተጂን ብርቄ ሓየሎምን ክወዳደራ ኢየን፡፡

ትማሊ ኣብ ዝተኻደ መፃሪ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ÷ ከካብ ምድበን ኣትሌት ሂሩት መሸሻ 1ይቲ፣ ድርቤ ወልተጂ 2ይቲ ከምኡ እውን ብርቄ ሓየሎም 3ይቲ  ብምውፃእ ንፍርቂ ፍፃመ ምሕላፈን ይፍለጥ፡፡

መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት እናተኻየደ ይርከብ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.