Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሕክምና ቫይረስኮሮና ንምሃብ ዘገልግሉ 380 መሳርሒታት መተንፈሲ ብድጋፍ ረኺባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል ተራድኦ ህፃናት ሕቡራት መንግስታት፣ መንግስቲ ኣሜሪካን ኢንግሊዝን፣ ሲ.ዲ.ኦ ዝተብሃለ ልምዓታዊ ትካል ብሓባር ብምዃን ሕከምና ቫይረስኮሮና ንምሃብ ዘገልግሉ 380 መሳርሒታት መተንፈሲ ንኢትዮጵያ ብድጋፍ ሂቦም።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ካብ እዋን ናብ እዋን ምልብዑ እናወሰኸ ዝመፅአ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ኣብ ግምት ብምእታው መንግስቲ ኣሜሪካን ኢንግሊዝን እቲ ደገፍ ምግባሮም ብዙሓት ሰባት ካብ ሞት ንምድሓን ዝሕግዝ ኢዩ ኢለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ተወካሊ ትካል ተራድኦ ህፃናት ሕቡራት መንግስታት ሚካኤል ሰርቫዲዬ ብግደኦም፥ እቶም መሳርሒታት መተንፈሲ ኣብ ፅኑዕ ክትትል ሕከምና ንዘለዉ ሕሙማት ኣገደስቲ ኢዮም ኢሎም።

ብድጋፍ ካብ ዝተረኸቡ 380 መሳርሒታት መተንፈሲ እቶም ኣስታት 100 ዝኾኑ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተመረቐ ፊልድ ሆስፒታል ኮቪድ 19 ዝወሃቡ ከምዝኾኑ ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.