Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲን ሩዋንዳን ብገበን ዝድለዩ ሰባት ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዘኽእላ ኣዋጅ ስምምዕነት ፀዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 5ይ ዓመት መበል 17 ዘበን ስራሕ ስሩዕ ኣኼቡኡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣሳሊጡ።

እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ኣኼብኡ፥ ኢትዮጵያ ምስ ጅቡቲን ሩዋንዳን ብገበን
ዝድለዩ ሰባት ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዘኽእላ ኣዋጅ ስምምዕነት ኣፅዲቑ።

ብተወሳኺ ሹመት ዝተጓደሉ ኣባላት ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ኣፅዲቑ።

ብመሰረት እዚ ሬቭናንድ ደረጀ ጀምበሩ፣ ኣይተ ደመላሽ ያደቴ፣ ዶክተር እዝራ ኣባተ፣ ወይዘሮ ፋጡማ ሃሴን ጋራድ ኩልሜ መሓመድን ኣባላት ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ንክኾኑ ተሸይሞም።

እቶም ተተካእቲ ኣባላት ብቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ ድሕሪ ምፅዳቕ ሹመት ቃለ ማሕላ ፈፂሞም ኢዮም።

እቲ ባይቶ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ኢንዱስትሪ ንምምዳብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ፣ ብቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ሰንደቕ ዓላማ፣ መዝሙርን መዓልቲ ኣፍሪካን ሕብረት ኣፍሪካ ዝምልከት ውሳነ ሓሳብን ፀብፃብን ብምምርማር ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ፥ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት እቶት፣ በጀትን ፋይናንስን ከምኡ እውን ቀዋሚ ኮሚቴ ልምዓት ከተማ፣ ኮንስትራክሽንን ትራንስፖርትን ስርዓት ምሕደራንን ኣመራርሓን ፕሮጀክታት መንግስቲ ፌዴራል ንምድንጋግ ዝቐረበ ኣዋጅ ብዝምልከት እውን ኣፅዲቑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.