Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ቫይረስኮሮና ኣብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዘስዕቦ ፅዕንቶ ንምንካይ ዘኽእል ምክረ ሓሳብ ንኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኢትዮጵያ ቫይረስኮሮና(ኮቪድ 19) ኣብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ዘስዕቦ ፅዕንቶ ንምንካይ ዘኽእል በዓል ሰለስተ ነጥቢ ምክረ ሓሳብ ንኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ኣቕሪባ።

እቲ ምክረ ሓሳብ ቫይረስኮሮና(ኮቪድ 19)  ኣብ ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ልዑል ስግኣት ከምዝፈጠረ ዝሓበረ እቲ ምክረ ሓሳብ፥ ብፍላይ ብብርኪ ዓለም ሰደድ ወፃኢ ንምቕናስ፣ ዓለም ለኻዊ ርክብ ንምትዕንቓፍን ኢንዱስትሪ ጉዕዞን ቱሪዝንም ዝጎድእ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

ብተወሳኺ ኣብ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝፈጠሮ ምዝሕሓል ኣብ ኢኮኖሚ እዛ ሃገር ስግኣት ፈጢሩ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ተፈጢሩ ዘሎ ፅዕንቶ ኢኮኖሚ እተን ሃገራት ብውልቀን ብዝወስድኡ ስጉምቲን ፖሊስን ጥራሕ ዝፍታሕ ስለዘይኮነ ዓለም ለኻዊ ዝተዋደደ ደገፍ ከምዘድሊ ተሓቢሩ።

ኢትዮጵያ እቲ ፅዕንቶ ንምቕናስ ዓሊማ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ትሰርሕ ከምዘላ ዝሓበረ መግለፂ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር፥ ኢትዮጵያ ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ ዝገብርኡ ኣኼባ ኣብ ግምት ከእትውኡ ዝግበአን በዓል ሰለስተ ነጥቢ ምክረ ሓሳብ ከምዘቕረበት ኣብሪሁ።

ብመሰረት እዚ እቲ ፅዕንቶ ንምቕናስ 150 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ከምዘድሊ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፥ እቲ ገንዘብ ዓቕሚ ሸርፊ ወፃኢን መርሃ ግብሪ ሴፍቲኔትን ንምጥንኻር ከምዝውዕል ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ኣፍሪካ ማእኸል ምቁፅፃር ሕማማት(ሲዲሲ)፣ ኤድስ፣ ሳምባን ቲቢን ንምክልኻል ዝገብሮ ዓለም ለኻዊ ድጋፍ ከጠናኽር ከምዝግባእ ምክረ ሓሳብ ቀሪቡ ኣሎ።

ሳልሳይ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ምክረ ሓሳብ፥ ኣብ ሃገራት ኣፍሪካ ዘሎ ልቓሕ ክስረዝን ልቓሕ ዝምለሰሉ እዋን እንተነኣሰ ን10 ዓማውቲ ክናዋሕን ዝሓትት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.