Fana: At a Speed of Life!

“ኢትዮጵያ ትፅውዕ ኣላ” ብዝብል መርሃ ግብሪ ልዕሊ 160 ሚሊየን ብር ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ከተማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ “ኢትዮጵያ ትፅውዕ ኣላ” ዝብል መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ እቶት ልዕሊ 160 ሚሊየን ብር ተኣኪቡ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ በዓል ሃፍቲ ወርቁ ኣይተነው 50 ሚሊየን ብር፣ ጎመጁ ኦይል ኢትዮጵያ 20 ሚሊየን ብር፣ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር 5 ሚሊየን ብር፣ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ብር፣ ዩኒቨርሲቲ ባህር ዳር 2 ነጥቢ 25 ሚሊየን ብር፣ ዩኒቨርሲቲ ደብረ ማርቆስ 3 ሚሊየን ብር፣ ዩኒቨርሲቲ ደባርቅ 1 ሚሊየን ብር፣ ዩኒቨርሲቲ ዋቻሞ 1 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር፣ ዩኒቨርሲቲ እንጅባራ 1 ሚሊየን ብር ንምልጋስ ቃል ኣቲዮም።

ብዙሓት ውልቀ ሰባት፣ ትካላትን ውድባትን ብገንዘብ ንምልጋስ ቃል ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።

ካብቲ መረሃ ግብሪ መተኣኻኸቢ እቶት ዝተረኸበ ኣታዊ ንሰራዊት ምክልኻል፣ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ንኻልኦት ኣካላት ፀፅታ ከምኡ እውን ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ከምዝውዕል ኣሚኮ ፀብፂቡ።

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.