Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም 6ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ዝተኻየደ መበል 19 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ካብ ዓለም 6ይ ካብ ኣፍሪካ 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ።

ኣብ ቡዳፔስት ስታዲየም ናሽናል ኣትሌቲክስ ሴንተር ካብ 13 ነሓሰ 2015 ጀሚሩ እናተኻየደ ዝቐነየ ሻምፒዮና ትማሊ ምሸት ተዛዚሙ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ሻምፒዮና 2 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 3 ነሓስም ብድምር 9 ሜዳሊያታት ክትረክብ ክኢላ።

በዚ ድማ ካብ ዓለም ሻድሻይ ካብ ኣፍሪካ ድማ ካኣይ ደረጃ ብመሓዝ እቲ ሻምፒዮና ዛዚማቶ።

ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ስፔንን ጃማይካን ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ዘሎ ደረጃ ሒዘን።

ኬንያ ካብ ዓለም 5ይ ካብ ኣፍሪካ 1ይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ።

ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2022 ኣብ ኣሜሪካ ኦሬጎን ዝተኻየደ 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም 4 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 3 ነሓስን ብድምር 10 ሜዳሊያዎች ብምርካብ ካብ ኣሜሪካ ቀፂላ 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ምዝዛማ ይዝከር።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.