Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ጉስጢት ፅዋዕ ማንዴላ ኣፍሪካ 6 ሜዳሊያታት ብምእካብ ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ጉስጢት ፅዋዕ ማንዴላ ኣፍሪካ 6 ሜዳሊያታት ብምእካብ ዛዚማ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ደርባን ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር፥ ኢትዮጵያ ብሱራፌል ኣላዩ፣ ሚሊየን ጨፎን ቤተል ወልዱን ሜዳሊያ ነሓስ ረኺባ።

ቤተልሄም ገዛህኝ፣ ሮማን ኣሰፋን ተመስገን ምትኩን ድማ ካልኣይ ብምውፃእ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ዘምፅኡ ኢዮም።

ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ጉስጢት ፅዋዕ ማንዴላ ኣፍሪካ ሰለስተ ሜዳሊያ ነሓስን ሰለስተ ሜዳሊያ ብሩርን ብድምር 6 ሜዳሊያታት ብምእካብ ውድድራ ዛዚማ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ 15 ሚያዚያ 2016 ዓ.ም ሰዓት 8 ደሕሪ ቀትሪ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝኣቲ እንትኸውን፥ ድሙቕ ኣቀባብላ ከምዝግበረሉ ኣብ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.