Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሑ ክልተ ዓለም ለኸ ማሕበራት ሞያ ተፀምቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ‘ውመን ኢን ኒውክሌር ግሎባልን ውመን ኢን ኒውክሌር ኣፍሪካን’ ናብ ዝተብሃሉ ክልተ ዓለም ለኸ ማሕበራት ሞያ ተፀምቢራ፡፡

ኣብ ግብፂ ኣስዋን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ‘ዊን ግሎባል ኮንፈረንስ’÷ ኢትዮጵያ ኣባል እቶም ማሕበራት ንምዃን ብመሰረት ዘቕረበቶ ሕቶ ኣብ ዓውዲ ራዲየሽንን ኒውክሌርን ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ብምድሃብ ዝሰርሕ ‘ዊን ኢትዮጵያ’ ዝተባህለ ማዕቐፍ ብምጅማር ተፀምቢራ፡፡

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ(ዶ/ር)፥ ‘ ዊን ኢትዮጵያ’ ዓቕሚ ዓውዲ ጨረራን ኒውክሌርን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምድንፋዕ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣብሪሀን፡፡

እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ እውን ዕላማ ‘ዊን ኢትዮጵያ’ ብምሕጋዝ ናይባዕሉ ኣስተዋፅኦ ክገብር ኢዩ ምባሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.