Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ክታበታት ክተፍሪ ካብ ሞንጎ ዝተሓረያ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ክታበታት ክተፍሪ ካብ ሞንጎ ዝተሓረያ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪካ ሓንቲ ምዃና ተገሊፁ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ምስ ማእኸል ምቁፅፃር ሕማማት ኣፍሪካ ብምትሕብባር መፍረዪ ክታበት ንምህናፅ ሽዱሽተ ሃገራት ሓሪዩ፡፡

ካብ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ርዋንዳ፣ ናይጄሪያ፣ ጋና፣ ኬንያን ኣልጄሪያን እቶም መፍረዪ ክታበታ ክሃንፃ ኢየን ተባሂሉ፡፡

ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይሬክተር ሓለዋ ጥዕና ኣፍሪካ ዶክተር ኣዴልሄይድ ኦኒያንጎ÷ እቶም ምፍረይቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ምጥያሾም ኣብ ቀፃሊ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ለበዳታት ንምክልኻል ዋሕስ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተጣየሸ  ኤጀንሲ መድሓኒት ኣፍሪካ ኣቢሉ ኣብ ሃገራት ዘጋጥም ለበዳ ሕማም ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዓቕሚ ንምምሕያሽ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ-19 ሃገራት ኣፍሪካ ሓዊሱ ብዙሓት ኣብምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ብሕፅረት ክታበት ከምዝተፀገማ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡድማ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪካ መፍረዪ ክታበት ንኽህነፅ ወሲኑ ኣሎ።

ደቡብ ኣፍሪካ ቅድም ክብል መፍረዪ ክታበት ብምጥያሽ ስራሕቲ ምፍራይ ምጅማራ እውን ተሓቢሩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.