Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ወታደራዊን ሲቪልን ሓይሊታት ሱዳን ዝተፈራረሙዎ ስምምዕነት ከምትደግፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ወታደራዊን ሲቪልን ሓይሊታት ሱዳን ዝተፈራረሙዎ ማዕቐፍ ስምምዕነት ፖለቲካ ንኢዳ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ክልቲኦም ወገናት ዝተፈራረሙዎ ስምምዕነት እታ ሃገር ናብ ናፃን ተኣማኒን መረፃ ዘምርሕ ሓዱሽ ሲቪል ናይ ስግግር መንግስቲ ንምምስራት ከምዝሕግዝ ኣብሪሁ፡፡

“ኢትዮጵያ ወታደራዊን ሲቪልን ሓይሊታት ሱዳን ዝተፈራረሙዎ ስምምዕነት ትንእድ” ዝበለ እቲ ሚኒስቴር÷ ንተግባራዊነቱ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝተገብር ኣረጋጊፁ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ወታደራዊን ሲቪልን ሓይሊታት ናይ ባዕሎም ፍልጠትን ዓቕሚን ብምጥቃም ድሌትን ተረባሕነትን ህዝቢ እታ ሃገር ብዘገናዘበ መልክዑ ናብ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ከምዘሰጋግሩ ሙሉእ እምነት ከምዘለዎ ገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.