Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ሓቂ ንመላእ ዓለም ምርዳእ ናይ ኩልና ሓላፍነት ኢዩ – ዶ/ር ኢ/ር ስለሺ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ሓድነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ብዝበለፀ ሓድነትና ነጠናኽሉ እዋን ኢዩ” ክብሉ ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ ተዛሪቦም።

ሰራሕተኛታት እቲ ሚኒስትርን ተፀዋዕቲ ትካላትን ናብ ወፍሪ “ውሕጅ ፃዕዳ ፖስታ ናብ ፃዕዳ ቤተ መንግስቲ” ተፀምቢሮም።

ዶክተር ኢንጂነር ስለሽ በቀለ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ሓድነት ኢትዮጵያ ንምሕላው ብዝበለፀ ሓድነት ዝጠናኸረሉ እዋን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ሓቂ ንመላእ ዓለም ምርዳእ ናይ ኩልና ሓላፍነት ኢዩ እውን ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ዜና ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ተፀዋዕቲ ትካልት “ውሕጅ ፃዕዳ ፖስታ ናብ ፃዕዳ ቤተ መንግስቲ” ከምዝተፀምበሩ ዕላዊ ገይሮም፡፡

ወፍሪ “ውሕጅ ፃዕዳ ፖስታ ናብ ፃዕዳ ቤተ መንግስቲ”፥ ካብ 3 ክሳብ 15 መስከረም 2014 ዓ.ም እናተኻየደ ከምዝኾነ ይፍለጥ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.