Fana: At a Speed of Life!

ኢንስትራክተር ኣብርሃም መብራቱ በዓል ሞያ ቴክኒክ ፊፋ ኮይኖም ተሸይሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ጋንታ ባህርዳር ከነማ ኢንስትራክተር ኣብርሃም መብራቱ በዓል ሞያ ቴክኒክ ፊፋ ኮይኖም ተሸይሞም።

እቶም ኣሰልጣኒ ፊፋ ንበዓል ሞያ ቴክኒክ ዘቕረቦም መለክዒታት ብምሕላፍ፥ ከከምኩነታቱ ዝሕደስ ኩንትራት ክልተ ዓመት በዓል ሞያ ቴክኒክ ፊፋ ኮይኖም።

ኢንስትራክተር ኣብርሃም፥ ኣብ ኣፍሪካ ላዕለዋይ ኢንስትራክተርነት፣ ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካን መሰል ዓበይቲ ውድድራትን ኣባል ጉጅለ መፅናዕቲ ቴክኒክን ኣሰልጣኒን ብምዃን ኣገልጊሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ኩዕሾ እግሪ እስያን የመንን ዘለዎም ልምዲ ስራሕ ነቲ ቦታ ተመራፂ ከምዝገበሮም ካብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.