Fana: At a Speed of Life!

ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ምስ ዋና ዳይሬክተር ዩ ኤን ሃቢታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛትየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ ምስ ዋና ዳይሬክተር ዩ ኤን ሃቢታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ማይሙና ሙሓመድ ሻሪፍ ተዛትየን።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ ድማ ለውጢን ምዕባለን ከተማታት ከምፅኡ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያ ኣድሂበን ምይይጥ ገይረን።

ኢንጂነር ኣይሻ መሓመድ፥ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ለውጢ ከምፅኡ ዝኽእሉ 12 ሓደሽቲ ፕሮጀክታት ንምትግባር ምድላው እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብቲ እዋን ዘተ ነተን ዋና ዳይሬክተር ገለፃ ገይረናለን።

ካብ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ዝተወሰዱን መሰረታዊ ፀገማት ከተማታት ንምፍታሕ የኽእሉ ዝተብሃሉ ፕጀክታትን ንምትግባር መንግስቲ ቁርፀኛ ምዃኑ ዝገለፃ ኢንጂነር ኣይሻ፥ ስግግር ከተማታት ምቅልጣፍ ግዚኡ ዘሓቶ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።

እቶም ፕሮጀክታት ተግግባራዊ ምግባር ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘተ እናተገበረ ምዃኑ ብምግላፅ፥ ዩ ኤን ሃቢታት ኣብ ተግባራዊነት እቶም ፕሮጀክታት ሓገዝ ንኽገብር እውን ሓቲተን።

ዋና ዳይሬክቴ ዩ ኤን ሃቢታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ማይሙና ሙሓመድ ሻሪፍ ብግደአን፥ ሃገራት ምስፍሕፋሕ ከተማታት ንምትእንጋድን ብግቡእ ንምምራሕን ኣድህቦ ክህባ ኣለወን ኢለን።

ዩ ኤን ሃቢታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኢትዮጵያ ዝሓንፀፀቶም ፕሮጀክታት ንምሕጋዝ ድሉው ኢዩ ዝበላ እተን  ዳይሬክተር፥ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማታት ለውጢ ንምምፃእ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናሰርሐት ምዃና ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበረኦ ዑደት ምዕዛበን ገሊፀን።

ኣብ ኣቡዳቢ ኣናተኻየደ ዝርከብ መድረኽ ፎሮም ከተማታት ዓለም፥ ሚኒስትራት ኣፍሪካ ኣብ ጉዳይ ከተማታት ንኽዝትዩ ዕድል ዝፈጠረ ምዃኑ ካብ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.