Fana: At a Speed of Life!

ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ውሽጣዊን ደጋዊን ፅዕንቶታት ተፃዊሩ እናተጓዓዘ ምዃኑ ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ውሽጣዊን ደጋዊን ፅዕንቶታት ተፃዊሩ እናተጓዓዘ ምዃኑ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣህመድ ሺዴ ገሊፆም።

መበል 19 ዓለም ለኸ ጉባኤ ማሕበር ኢኮኖሚስታት ኢትዮጵያ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣይተ ኣህመድ ሽዴ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ስእነት ሰላም፣ ዝርገሐ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ድርቂን ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ኣብ ልዕሊ እቲ ኢኮኖሚ ልዑል ፅዕንቶ ኣሕዲሩ ኢዩ ኢሎም፡፡

ነዚ ብምግንዛብ ድማ መንግስቲ እቶም ፀገማት ንምፅዋር ዘኽሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ልዑል ናይ ምልማዕ ዓቕሚ ከምዘለዋ ብምሕባር፥ እዚ ሃፍቲ ንምጥቃም መመሓየሺ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዶክተር ይናገር ደሴ ብግደኦም፥ ኣብ ዘፈር ፋይናንስ ናይ ሓፂርን ነዊሕን እዋን ኣንፈት ተታሒዙ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ እቲ ጉባኤ፥ ዝተፈላለዩ መፅናዕታት ቀሪቦም ልዝብ ከምዝግበረሎም ትፅቢት ይግበር፡፡

ብተስፋዬ ከበደ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.