Fana: At a Speed of Life!

ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን ዝቃወም ሰልፊ ኣብ ዝተፈላላያ ከተማታት ጀርመን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያን ዝኹንን ኣካል ወፍሪ ምንቅስቓስ “የኣክል” ወይድማ #NoMore‘ ዝኾነ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝተፈላላያ ከተማታት ጀርመን ይካየድ ኣሎ።

እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማታት በርሊን፣ ቦንን ፍራንክፈርትን እናተኻየደ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ናይ በርሊን ሰልፊ ኣብ ቅድሚ ቤት ዕዮ መራሒተ መንግስቲ ጀርመን እናተኻየደ እነትኸውን፥ እቶም ሰልፈኛታት ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብረኦ ኢድ ኣእታውነት ጠጠው ንኸብላ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ከተማ ቦን ዝተኻየደ ሰልፊ ድማ ኣበታ ከተማ ዋና መቐመጢኡ ዝገበረ ቴሌቪዥን ጣቢያ ጀርመን ዶቸ ቬለ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘውፀኦም ሻራዊን ዝተሰሓሓቱን ፀብፃባት ከስተኻኽል ከምዝግባእ ዘገንዝቡ መልእኽቲታት ተመሓላሊፎም፡፡

ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኻየደ ሰልፊ እውን መበገሲኡ ኣደባባይ ሃውፕትፍሬድሆፍ ብምግባር ኣብታ ከተማ ዝርከብ ቆንፅና ቤት ፅሕፈት ኣሜሪካ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ሰልፈኛታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትገብሮ ፅዕንቶ ዝቃወሙ ጭርሖታት ኣሰሚዖም።

ኣብ ዶርቱሙንድ፣ ሙኒክ፣ ስቱትጋርት፣ ሌፕዚንግን ካልኦት ከተማታት ጀርመንን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ እናተሰሳተፉ ይርከቡ።

እቲ ሰልፊ፥ መድረኽ ልዝብን ምትሕብባርን ኢትዮጵያውያን ኣብ ጀርመን ዝተብሃለ ትካል ዘዳለዎ ኢዩ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.