Fana: At a Speed of Life!

ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ብጉድኣት ምኽንያት ንዘይተወሰነ ግዘ ካብ ሜዳ ከምዝርሕቕ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ጋንታ ፋሲል ከነማን ኣማኑኤል ገብረሚካኤል ብዘጋጠሞ ከቢድ ጉድኣት ምኽንያት ንዘይተወሰነ ግዘ ካብ ሜዳ ከምዝርሕቕ ኣሰልጣኒ ውበቱ ኣባተ ገሊፆም፡፡

ብኽባር ዝውውር ናብ ጋንታ ፋሲል ከነማ ዝተፀምበረ ኣማኑኤል÷ እታ ጋንታ ትማሊ ምስ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ማዕረ ኣብ ዝተፈለለየትሉ ፀወታ ምስ ሓላዊ ልዳት ብምግጫዉ ኢዩ ከቢድ ጉድኣት ኣናጊዱ ዘሎ፡፡

ኣሰልጣኒ ፋሲል ከነማ ውበቱ ኣባተ እቲ ጉድኣት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ”ኣናእሽተይ ዝመስሉ ጉድኣታትን ናይ ጭካነ ታክላትን ንብዙሓት ተፃወትቲ ካብ ሕልሞም እናተዓናቐፉ ይርከቡ” ኢሎም፡፡

ኣማኑኤ ገብረሚካኤል በቲ ጉድኣት ክልተ አዕፅምቱ ከምዝተሰበሩ ዝገለፁ እቶም ኣሰልጣኒ÷ በዚ ድማ ንዘይተወሰነ ግዘ ካብ ኩዕሾ እግሪ ምርሓቑ ግድን ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡

ብምዃኑ ድማ ኣብ ፀወታ ዝረኣዩ መሰል ጥፍኣታት እቲ ፕሪሚየር ሊግ ሕጊ ከመቻችወሎም ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.