Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣንቢራቶ ዝነበረት ክሲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብምልዓል ዝኾነ ይኹን ክልከላ ፋይናንስ ከምዘይግበራ ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣንቢራቶ ዝነበረት ክሲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ብምልዓል እታ ሃገረ ድሕሪ ሕዚ ዝኾነ ይኹን ክልከላ ቀረብን ሓገዝን ፋይናንስ ከምዘይግበረላ ኣፍሊጣ።

ሰነድ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጌዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ፍልፍል ብምግባር መፅሄት ፎረይን ፖሊሲ ከምዝፀሓፎ÷ ዋሸንግተን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተልዕሎ ክሲ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ሓዲጋቶ።

ናብ ኮንግረስ እታ ሃገር ዝተለኣኸ እቲ ውሽጣዊ መረዳእታ÷ “ኣሜሪካ እቲ ክሲ ብምልዓላ ድሕሪ ሕዚ እቲ ቤት ዕዮ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፤ ኢትዮጵያ ምስ ዋሽንግተን ይኹን ካልኦት ዓለም ለኸ ኣለቃሕቲ ገንዘብ ከይትረክብ እናገበሮ ዝነበረ ምክልኻል ጠጠው ከብል ኢዩ” ይብል።

ውሳነ ኣሜሪካ ኢትዮጵያ ካብ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ)ን ባንኪ ዓለም ሓገዝ ገንዘብን ልቓሕን ንኽትረክብ ዘሕግዝ ኢዩ።

ዋሽንግተን ኣብ እዋን ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዛሕቲሉ ዝነበረ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምሕዳስ ድሌት ከምዘለዋ ዘርኢ ውሳነ ከምዝኾነ እቲ መፅሄት ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.