Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዘጋጥም ኣንበጣ ንምክልኻል ዘኽእል ተወሳኺ 10 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኻዊ ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ(ዩ ኤስ ኤይድ) ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዘጋጥም ኣንበጣ በረኻ ንምክልኻል ዘኽእል ተወሳኺ 10 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ደገፍ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኬኒያን ሶማሊያን ንዘጋጥም ኣንበጣ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ብምኽኒያት ኣንበጣ ጉድኣት ኣብ ዝበፅሖም ከባብታት ንዝነብሩ ዜጋታት እወንታዊ ሓገዝ ዘመፅእ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዝተገበረ ደገፍ ገንዘብ፥ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ንዘጋጥም ኣንበጣ ንምክልኻል ዓሊሙ ዝገበሮ ሓገዝ ገንዘብ ናብ 19 ሚሊየን ዶላር ክብ ዘብል ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.