Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ትደሊ ኢያ -ትሬሲ ጃኮብሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ትደሊ ክብላ ኣፈፃሚት ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ትሬሲ ጃኮብሰን ተዛሪበን።

ኣብ ከተማ ጅማ ዑደት ስራሕ ዝገብራ ዘለዋ እተን ኣምባሳደር፥ ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ብዛዕባ ዘለዉ ምቹኣት ኩነታት ኢንቨስትመንት ብዝምልከት መብርሂ ሂበን።

ትሬሲ ጃኮብሰን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምቹእ ልምዓት ቡና ከመዘሎ ብምሕባር፥ ሃገረን ብኢኮኖሚን ኢንቨስትመንትን መስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትእስሳር ምጥንኻር ከምእትደሊ ገሊፀን።

ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ሰላም ካብ እዋን ናብ እዋን እናተመሓየሸ ከምዝመፅአን ነዚ ድማ ኣሜሪካ ኣድላዪ ደገፍ ከምእትገብር ተዛሪበን።

ብሙክታር ጣሃ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.