Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካ 100 ሚሊየን ዶላር ወታደራዊ ሓገዝ ንዩክሬን ከምትህብ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካ 100 ሚሊየን ዶላር ዘውፅእ ወታደራዊ ሓገዝ ንዩክሬን ከምትህብ ኣፍሊጣ።

ሚኒስትር ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን ሃገሮም ንዩክሬን ትገብሮ ሓገዝ ቃል ብዝተኣተወ መሰረት ከምዝፍፀም መርግጋፆም ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ውሽጢ እዚ ሓገዝ ጦር መሳርሒ÷ ስቲንገር ፀረ ኣውሮፕላን ሚሳኤላት ከምዝተኻተቱ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ዝተፈላለዩ ተተኮስቲ፣ ኣናእሽተይን ላዕለዎትን ጦር መሳርሒታት ከምዝርከቡዎ ዲፓርትመንት ምክልኻል ኣሜሪካ ገሊፁ፡፡

ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ጆ ባይደን ካብ ነሓሰ 2021 ጀሚሩ ንዩክሬን መበል 51 ዙር ወታደራዊ ሓገዝ ካብ መኽዘን ዲፓርትመንት ጦር መሳርሒታት ኣሜሪካ ከምዝሃበ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ እዋን ድማ “ኣሜሪካ ንዩክሬን ትገብሮ ቀፃልነት ዘለዎ ሓገዝ ድሕንነት ኢዩ” ክብሉ ምግላፆም ዢኑዋ ፀብፂቡ፡፡

#US #Ukrain #Russia #MilitaryAid

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.